ኣትሌታት ኢትዮጵያ ካብ ትራክ ናብ ውድድራት ጎደና ዝገብሩዎ ፍልሰት…

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ካብ ቀረባ ዓመታት ንደሓር ኣብ ኢትዮጵያ መናእሰይ ኣትሌታት ናብ ውድድራት ጎደና እናምርሑ ምዃኑ ዘተሓሳስብ ጉዳይ እናኾነ ምምፅኡ ምሁራን እቲ ዓውዲ ገሊፆም።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ትምህርት ኮተቤ መምህር ስፖርት ሳይንስን ኣሰልጣኒ ኣትሌቲክስን ንጉሴ ጊቻሞ ምስ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት÷ ኣትሌታት ኣብ ትራክ ውድድራት ንባዕሎም ብዝግባእ እንተየጠናኸሩን ሰውነቶም እንተየጎልበቱን ናብ ውድድራት ጎደና እናፈለሱ ይርከቡ።

እዚ ድማ ጊዚያዊ ረብሓ ጥራሕ ነምርካብ ዝግበርን ሃገርን ኣትሌታትን እውን ዝጎድእ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ መምህር ስፖርት ሳይንስን ኣብ ዓለም ለኸ ኣትሌቲክስ ኢንስትራክተርን ኣድማሱ ሳጂ ብግደኦም÷ እቲ ፀገም ከም ሃገር ዘተሓሳስብ ኣብ ዝበሃል ደረጃ ከምዝበፅሐ ብምግላፅ፤ ካብ ቀረባ እዋን ንደሓር ኣብ ዓለም ለኸ ውድድራት ኢትዮጵያ ኣብ ትራክ ውድድራት ናይ ውፅኢት ምዝሕሓል እናተርኣየ ከምዝርከብ ገሊፆም።

ተሳተፍቲ ትራክ ውድድራት ብብርኪ ዓለም እናነከየ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ እዚ ድማ ኣብ ውድድራት ጎዳና ዝርከብ መጠን ሽልማት ገንዘብ ዝለዓለ ብምዃኑ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

እቲ ፀገም ከም ሃገር ብእዋኑ መፍትሒ እንተዘየተገይሩሉ ኣብ ከይዲ ዓቕሚ ኣውፂእኻ ብግቡእ ናይ ምጥቃም ዓቕሚ ከምዝድርት እውን ኣመልኪቶም።

ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ኣብቲ ጉዳይ ትኹረት ብመሃብ ንኽሰርሑ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ብዳዊት ደያሳ

Comments (0)
Add Comment