ኣትሌት ታምራት ቶላ ካብ ውድድር ማራቶን ኣምስተርዳም ወፃእ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ወዲ 34 ዓመት ኣትሌት ታምራት ቶላ ብዘጋጠሞ ጉድኣት ምኽንያት ካብ መበል 50 ውድድር ማራቶን ኣምስተርዳም ወፃእ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ከምዘረጋገፆ፤ ወናኒ ክብረ ወሰን ማራቶን ኣምስተርዳም ኣትሌት ታምራት ቶላ ብዘጋጠሞ ጉድኣት ምኽንያት ኢዩ ካብቲ ውድድር ወፃእ ኮይኑ ዘሎ።

ተዓዋታይ ኦሊምፒክ ሻምፒዮና ዓለምን ዝኾነ ኣትሌት ታምራት ቶላ ብዘጋጠሞ ጉድኣት ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ጃፓን ቶኪዮ ኣብ ዝተኻየደ መበል 20 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም እንተይተሳተፈ ምትራፉ ይዝከር።

ብወርቅነህ ጋሻሁን

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment