ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣትሌት ትእግስት ኣሰፋን ዮሚፍ ቀጀልቻን ካብ ስታዲየም ወፃእ ኣብ ውሽጢ ሕፁያት ዝበለፁ ኣትሌታት ወድድር ጎደና እዚ ዓመት ኣቲዮም።
ኣትሌቲክስ ዓለም ሎሚ ወግዓዊ ኣብ ዝገበሮ መረዳእታ፥ እቶም ኣትሌታት ኣብ ወድድር እዚ ዓመት በዝተፈላለዩ ውድድራት ጎደና ብመሰረት ዘመዝገብዎ ውፅኢት ንሕፁይነት ምክታት ክኢሎም።
ብደቂ ኣኒስቲዮ ትሌት ትእግስት ኣሰፋ፣ ሲፈን ሓሰን፣ ማሪያ ፔሬዝ፣ ኣንገስ ንጌቲችን ፔሬስ ጄፕቺርቺርን ብሕፁይነት ተመሪፀን።
ብደቂ ተባዕቲዮ ድማ፥ ኣትሌት ዮሚፍ ቀጀልቻ፣ ካዮ ቦንፊም፣ ኢቫን ዱንፊ፣ ኣልፎንስ ሲምቡን ሰባስቲያን ሳዌን ብሕፁይነት ምምራፆም ኣትሌቲክስ ዓለም ገሊፁ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!