ኣትሌት ፍሬወይኒ ሃይሉ ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ናብ ፍርቂ ፍፃመ ሓሊፋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ 20 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም መፃረዪ ውድድር 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ፍሬወይኒ ሃይሉ ናብ ፍርቂ ፍፃመ ሓሊፋ።

ኣብ ሳልሳይ ምድብ ዝተወዳደረት እታ ኣትሌት ኣብቲ ውድድር ቀዳመይቲ ብምውፃእ ኢያ ናብ ፍርቂ ፍፃመ ክትሓልፍ ክኢላ።

ኣብ ቀዳማይ ምድብ ዝተኻፈለት ኣትሌት ሳሮን በርሀ 9ይ ደረጃ ሒዛ ብምዝዛማ ናብ ዝቕፅል ዙር ክትሓልፍ ኣይከኣለትን።

ውድድር ፍርቂ ፍፃመ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ፅባሕ ቀትሪ ሰዓት 9፡05 ክካየድ ኢዩ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment