ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ-ስላሴ ምስ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ዘቲዮም።
ክልቲኦም ወገናት ኣብ ሰላም እዚ ቀጣና ኢሉ ‘ውን ዓለም ለኸ ዛዕባታት ጠመተ ዝገበረ ዘተ ኣሳሊጦም።
ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ተዛዚሙ ምምራቑ ንኢትጵያዊያን ናይ እንቋዕ አሓጎሰኩም መልእኽቲ ኣመሓላለፊፎም።
ብተወሳኺ ኣብ ቀረባ እዋን ኢትዮጵያ ጉባኤ ክሊማዊ ለውጢ ዕዉት ብዝኾነ መገዲ ምትእንጋዳ ብምዝኽኻር ነዚ እውን ናይ እንቋዕ አሐጎሰኩል መልእኽቶም ገሊፆም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!