ኣንፈታት ልምዓት ካብ ውሱን ዘፈር ናብ በዓል ብዙሕ ዓውዲ ተቐይሩ ኢዩ – ፕሬዚዳንት ታዬ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣንፈታት ልምዓት ካብ ውሱን ዘፈር ናብ በዓል ብዙሕ ዓውዲ ተቐይሩ ኢሎም ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ፡፡

መበል 6ይ መኽፈቲ ስነ ሰርዓት 5ይ ዓመት ዘበን ስራሕ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ይሳለጥ ኣሎ።

ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ፥ ከልቲአን ኣብያተ ምኽሪ ዓመታዊ ስረሐን ከምዝጀመራ በምብሳር መኽፈቲ መደረ ኣኣስሚዖም።

ኣብ መደረኦም ድማ ኣብ መእተዊ ሓዱሽ ዓመት፤ ግድብ ህዳሰ ዝተመረቐሉ እዚ ዘበን ኣብ ታሪኽና ብልዑል ዝዝከር ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ተግባራዊ ብዝተገበረ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ዕቤት ኢኮኖሚ ኢትዮጰያ እናበረኸ ይርከብ ዝበሉ እቶም ፕሬዚዳንት፤ ኣንፈታት ልምዓት ካብ ውሱን ዘፈር ናብ በዓል ብዙሕ ዓውዲ ተቐይሩ ኢዩ ኢሎም፡፡

ሃፍቲ ቱሪዝምን መዓድንን ብግቡእ ብምጥቃም ለውጢ ምምፃ ከምዝተኽኣለ ብምግላፅ፤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ 150 ዓለም ለኸ ኮንፍረንሳት ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝተኻየዱ ሓቢሮም፡፡

ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ኣብ 2016 ዓ.ም 1 ነጥቢ 2 ቢሊየን ኩንታለል ፍርያት ዝፈረየ እንትኸውን፤ ኣብ 2017 ዓ.ም ድማ 1 ነጥቢ 57 ቢሊየን ኩንታል ክፈሪ ክኢሉ፡፡

ዓቕሚ ምፍራይ ኢንዱስትሪታት ካብ 59 ሚኢታዊ ናብ 65 ሚኢታዊ ከምዝዓበየ ብምሕባር፤ ፍርያት ወርቂ ካብ 3 ነጥቢ 9 ናብ 38 ነጥቢ 87 ዓብዩ ኢሎም፡፡

ኣብ 2017 ዓ.ም ካብ ንግዲ ወፃኢ 8 ነጥቢ 3 ቢሊየን ዶላር ከምዝተረኸበ ዝገለፁ ፕሬዚዳንት ታዬ፤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መንግስቲ ካብ ብሄራዊ ባንኪ ዝኾነ ይኹን ቀጥተኛ ልቓሕ እንተይወሰደ እቲ በጀት ዓመት ከምዝተዛዘመ ኣፍሊጦም፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment