ኣንፈት ብዝሃ ዓውዲ ኢኮኖሚ ፓርቲና ውፅኢታዊ ይኸውን ኣሎ- ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣንፈት ብዝሃ ዓውዲ ኢኮኖሚ ፓርቲና ውፅኢታዊ ይኸውን ኣሎ ኢሎም ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ሓላፊ ዋና ቤት ፅሕፈት እቲ ፓርቲን ኣይተ ኣደም ፋራህ።

ብኣይተ ኣደም ፋራህ ዝተመርሐ ጉጅለ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ፌዴራልን ክልልን እቲ ፓርት ኣብ ማእከላዊ ኢትዮጵያ ዞቦ ምብራቕ ጉራጌ ዘሎ ስራሕቲ ልምዓት ዑደት ኣሳሊጡ።

እቶም ኣመራርሓ ኣብ ከተማ ‎ቡታጅራ ማእኸል መመሓየሺ ዘርኢ ኣቮካዶ፣ ፕሮጀክት ወሰን ወሓዚ ሩባ፣ ማሕበር ምብዛሕ ኣናህብ ቀሸትን ጋርመንት ደስታን ርእዮም።

ኣይ ኣደም፥ ብሓምለዋይ ኣሰር፣ ሌማት ትሩፋት፣ ልምዓት ኮሪደርን ማኑፋክቸሪንግን ኢንዱስትሪ ዝስርሑ ዘለዉ ስራሕቲ ናይቲ ፓርቲ ኣተሓሳስባታት ተግባራዊነቱ ኣብ ኩሎም ዓውዲታት ውፅኢታዊ ይኸውን ምህላዉ ገሊፆም።

ብማኑፋክቸሪንግ ኢንዱስትሪ ዝተፈላለዩ ፍሪያታት ብምፍራይ ንዕዳጋ ወፃኢ ዘቕርቡ ትካላት ምርኣይ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ኢንዱስትሪ እትገብሮ ዘላ ስግግር ተስፋ ዝህብ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment