ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣእዳው ህንፀት ኢትዮጵያ ትካላት ኢዮም ኢሎም ሚኒስትር ኣማኻሪ ማሕበራዊ ጉዳይ ቀዳማይ ሚኒስትርን ኣካቢ ቦርድ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽንን ሙኣዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት።
ሙኣዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት፥ ቦርድ ኣመራርሓ ስራሕ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽንን ኣባላት ማኔጅመንትን ኣብ ኮሚሽን ጉምሩክ ትካላዊ ስራሕቲ ለውጢ ኣብ ዝተዓዘብሉ እዋን ኢዮም ከምዚ ኢሎም።
ምትሕብባር ትካላት ብራኸ ኢትዮጵያ ኣብ ምርግጋፅ ልዑል ግደ ከምዘለዎ እውን ገሊፆም።
ትካላት ብምድማርን ምትሕብባርን ሓበራዊ ምዕባለ ንምርግጋፅ ክሰርሓ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።
ኣብ ትካላዊ ስራሕቲ ለውጢ ዝርከባ ካም ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽንን ኮሚሽን ጉምሩክን ዝበላ ሃገራዊ ትካላት ብሓባር ምስረሐን ወሳኒ ምዃኑ ኣፅንኦት ሂቦም።
ብሰለሞን በየነ