ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)በዓል መስቀል ናይ ሰላም በዓል ብምዃኑ ኣከባብርኡ ሰላምን ፍቕሪን ዝሰብኽ ክኸውን ይግባእ ኢሎም ዋና ኣካያዲ ስራሕ ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁእ ኣቡነ ሳዊሮስ።
እታ ቤተ ክርስቲያን ምድላው ኣበዓዕላ በዓል መስቀል 2018 ዓ.ም ጠመተ ብምግባር መግለፂ ሂባ።
ብፁእ ኣቡነ ሳዊሮስ ኣብ መግለፂኦም፥ ኣብቲ ዕለት ብኹሉ መገዲታት ዝመሓላለፉ መልእኽታት ሰላምን ፍቕሪን ዝሰብኩ ክኾኑ የግባእ ኢሎም።
ኣብቲ በዓል ኢትዮጵያዊ ባህልና ዝሓለወ ስርዓት ኣከዳድና መሰረት ምግባር ከምዝግባእን ኣፈላላይ ዝሰብኽ ኣከዳድና ይኹን ምልክት ምጥቃም ከምዘይግባእን ኣፅንኦት ሂቦም።
ብመሰረት እዚ ኣብ በዓል መስቀል ብሄራዊ ሰንደቕ ዓላማ ኢትዮጵያን ኣርማ ቤተክርስቲያንን ጥራሕ ምጥቃም ይግባእ ኢሎም።
ነቲ ክብረ በዓል ኣድላዪ ምድላው ከምዝተገበረ ብምግላፅ፥ ምስ ኣካላት ፀፅታ ብምውዳድ ከምዝስራሕ እወን ገሊፆም።
ብሄኖክ ለሚ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!