ኣካታታይነት እቲ መረፃ ንምርግጋጥ ዝተወገኑ ስዎሕቲ ዝነኣዱ ኢዮም – ኢጋድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ኣካታታይነት ንምርግጋፅ ዝተወገኑ ስራሕቲ ዝነኣዱ ኢዮም ኢሉ፡፡

እቲ መረፃ ዝተዓዘቡ ኢጋድን ሕብረት ኣፍሪካን ፈላማይ ዙር ሪፖርት ብዝምልከት መግለፂ እናሃቡ ይርከቡ፡፡

መራሒት ጉጅለ ተዓዛቢ መረፃ ኢጋድ ስፔሱዌሳ ዋንዳራ ካዙቤ ከምዝበለኦ÷ ኢጋድ ኣብቲ ከይዲ ካብ ቅድመ መረፃ ክሳብ ምሃብ ድምፂ ዝነበሩ ከይዲታት ገምጊሙ።

ኣብቲ ከይዲ ሓደሽቲ ኣሰራርሓታትን ዓለም ለኻዊ መምርሒታት ኣሰራርሓ መረፃ ከምዝተተግበሩን ሓደሽቲ ውፅኢታት ቴክኖሎጂ ኣብ ረብሓ ከምዝወዓሉን ኣልዒለን።

ንመረፅቲ ትምህርቲ ንመሃብ 169 ሲቪል ማህበራት ከምዝተዋፈሩ ብምግላፅ፥ መራኸብቲ ሓፋሽ ንፓርቲታት ፖለቲካ ኣየር ሰዓት ከምዝደልደሉ ኣረጋጊፅና ኢና ኢለን፡፡

ተሳትፎ ጉዱኣት ኣካላትን ካልኦት ሓገዝ ዘድልም ዜጋታትን ኣብ ምርግጋፅ እቲ መረፃ ኣካታቲ ንኽኸውን ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዝነኣዱ ኢዮም ኢለን፡፡

ኢጋድ ኣብ ዕለት ምሃብ ድምፂ ኣብ 7 ክልላትን 2 ምምሕዳር ከተማታትን ብሓፈሻ 11 ጉጅለ ተዓዛቢ ዘዋፈረ እንትኸውን፥ እቲ መሃብ ድምፂ ሕጋዊ ከምዝኾነን ናውቲ መረፃ ብግቡእ ኣብ ኣገልግሎት ከምዝወዓሉ ተዛሪበን።

ኢትዮጵያን ኢትዮጵያውያን ንህንፀት ሰላምን ንዲሞክራሲን ንዘርአኹምዎ ዕዉትነት እንኳዕ ደስ በለኩም ኢለን።

ብኣፈወርቅ እያዩ

Comments (0)
Add Comment