ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ናይሮቢ ኬኒያ ኣብ ዝሓለፉ ከልተ መዓልታት ክሳለጥ ዝፀንሐ ኣኼባ ሓበራዊ ኮሚቴ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮ-ኬኒያ ተዛዚሙ።
እቲ ኣኼባ ሰነድ ስምምዕነት ሰራዊት ምክልኻል ክልቲአን ሃገራት ድሕሪ ምኽታሙ ንፈለማ እዋን ዝተሳለጠ ስሩዕ ኣኼባ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ኣብ ምትእምማን፣ ምክብባርን ሓበራዊ ረብሓን ዝተደረኸ ርክብ ምክልካል ኢትዮጵያን ኬኒያን ናይተን ሃገራት ረብሓ ካብ ምሕላው ብተወሳኺ ቀጣናዊ ሰላምን ድሕንነትን ንክሕሎ ሓበራዊ ሓላፍነት ከምዝህልዎ ተሓቢሩ።
ብመንፅር እዚ እቲ ኮሚቴ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዝሰርሖ ስራሕ ውፅኢታዊ ከምዝነበረ ልኡኽ ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ዝመርሑ ዋና ዳይሬክተር ርከብ ወፃኢን ወተሃደራዊ ምትሕብባርን ሰራዊት ምክልኻል ሜጀር ጄኔራል ተሾመ ገመቹ ተዛሪቦም።
ኣብቲ መድረኽ ምትሕብባር ሽርክናን ሓድነትን እተን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ኣብ ዘሳጋግሩ ኣጀንዳታት ዘተ ከምዝተገበረ ሓቢሮም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!