ኣወሃህባ ኣገልግሎት ስፔሻላይዝድ ሪፈራል ሆስፒታልን ምክልኻል ንምዝማን ይስራሕ ኣሎ – ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይሊታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ስፔሻላይዝድ ሪፈራል ሆስፒታልን ምክልኻል ንምዝማን ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ከይዲ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ስፔሻላይዝድ ሪፈራል ሆስፒታልን ምክልኻል ብዝምልከት መዕረፊ ኣጋይሽ እቲ ሆስፒታል መሪቖም ከፊቶም።

እቲ መዕረፊ ኣጋይሽ ኩሉ ዓይነት መለክዒ መዕረፊ ኣጋይሽ ዘማለአ 26 መደቀሲ ክፍሊታት ዘለዉዎ ኢዩ።

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ እቲ ሆስፒታል ብመሳርሒ ሕክምናን ቴክኖሎጂን ብዘበናውነት ሰብ ሞያ ብዝተኸተለ መልክዑ ዘሚኑ ሪፈራል ሆስፒታል ንኽኸውን ንኽኸውን ምክልኻል ልዑል ገንዘብ ወፃኢ ከምዝገበረ ኣልዒሎም።

እቲ ሪፈራል ሆስፒታል ናብ ወፃኢ ዝኸዱ ተሓከምቲ ኣብ ውሽጢ ንሕኽከሙ ኣብ ዝግበሩ ፃዕሪታት ልዑል ተስፋ ዝህብ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም፡፡

ነዚ ድማ ናይ 86 ኣባላት ሰራዊት ቅየራ ዓፅሚ ማሕጎፋ ብውፅኢት ምዕዋት ዋና መርአዪ ከምዝኾነ ምግላፆም ኦንላይን ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ንፋና ዲጂታል ገሊፁ።

ብመላኩ ገድፍ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment