ኣዋሽ ሚድሮክ መፍረዩ እታዎት ኮትድ ካልሺየም ካርቦኔት ስራሕ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ክልል ዓፋር ኣዋሽ 7 ኪሎ ዝተጣየሸ ፋብሪካ ምፍራይ ኣዋሽ ኮትድ ካልሺየም ካርቦኔት ከይዲ ፈላማይ ምዕራፍ ፕሮግራም መርሃ ግብሪ ምጅማር ተኻይዱ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣወል ኣርባ፣ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢንቨስትመንት ግሩፕ ጀማል ኣሕመድን ሓዊሱ ፃውዒት ዝተገበረሎም ጋያሹ ተረኺቦም፡፡

ኣብ ሚድሮክ ኢንቨስትመንት ግሩፕ ዘመናዊ ኢንዱስትሪታት ውልቀ ማሕበር ምክትል ፈፃሚ ስራሕ ኣንዱኣለም ወ/ማሪያም ከምዝገለፅዎ፤ እቲ ፋብሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ብዓይነቱ ፈላማይ እዩ፡፡

እቲ ፋብሪካ መስመር ማይ ቱቦታት፣ውፅኢት ፕላስቲክ፣ ጫማ ሶል፣ መድሓኒት፣ ንስፖንጅን ፍርያት ኬብልን እታዎት ዝኾኑ ኮትድ ካልሺየም ካርቦኔት ብዝተፈላለየ ልክዒት ከፍርይ እዩ ኢሎም፡፡

ኣብ ዓመት 18 ሽሕ ቶን ኮትድ ካልሺየም ካርቦኔት ከምዘፍርይ ኮይኑ እቲ ዝተሃነፀ ፋብሪካ፤ፈላማይ ምዕራፍ ናይ ምፍራይ ዓቕሙ 15 ሚኢታዊ ጥራሕ ተጠቒሙ ከምዘፍርይ ገሊፆም፡፡

Comments (0)
Add Comment