ኣይተ ሳንዶካን ደበበ ኮሚሽነር ሓይሊ ኒውክሊየር ኢትዮጵያ ብምዃን ተሾይሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንኣይ ሳንዶካን ደበበ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሓይሊ ኒውክሊየር ኢትዮጵያ ብምግባር ሾይሞምዎም።

ኣይተ ሳንዶካን ደበበ ካብ ሎሚ ማልቲ 4 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም ጀሚሮም ከምዝተሾሙ ኢዩ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዘፍለጠ፡፡

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ መበል 49 ስሩዕ ኣኼባ ኣብ መጣየሺ ደምቢ እቲ ኮሚሽን ብምዝታይ እቲ ደምቢ ኣብ ነጋሪት ጋዜጣ ተሓቲሙ ካብ ዝወፅአሉ ዕለት ጀሚሩ ተግባራዊ ንኽግበር ውሳነ አሕሊፉ ኢዩ፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment