ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣህመድ ሺዴ ምስ ሚኒስትር ገንዘብ ተዛቲዮም፡፡
ኣብቲ እዋን ዘተ ሽግሽግ ዕዳ ብዝምልከት፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ፕሮጀክታት ህንፀቶም ምቅልጣፍ ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ከምኡ እውን መንግስቲ ቻይና መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ሓዊሱ ኣብ ቁልፊ ኢኒሼቲቫት ፕሮጀክት ሓገዝ ምግባር ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ተመያይጦም፡፡
ሚኒስትር ገንዘብ ኣህመድ ሺዴ እቲ ዘተ ጠቓሚ ከምዝነበረ ብምሕባር፤ ኣብቲ እዋን ዘተ ዝተበፅሐ ስምምዕነት ንምጥንኻር ርክብ ክልቲአን ሃገራት ወሳኒ ግደ ከምዝህልዎ ሓቢሮም።
ምስ መንግስቲ ቻይና ብቕርበት ብምስራሕ ክልቲአን ሃገራት ተረባሕነት ንምርግጋፅ ኢትዮጵያ ቆራፅ ምዃና ኣረጋጊፆም፡፡
ኣብቲ እዋን ዘተ ክልቲኦም ወገናት ኣተሓሕዛ ዕዳ ስምምዕነት ንምፍርራም፣ ትግበራ ፕሮጀክት ንምቅልጣፍን ንዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ሓገዝ ፋይናንስን ቴክኒካልን ንምግባር ኣብ ስምምዕነት ከምዝበፅሑ ሓበሬታ ሚኒስቴር ገንዘብ ኣመልኪቱ፡፡