ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ገንዘብ ኣህመድ ሺዴ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ዓለም ለኸ ልምዓት ኮርፖሬሽን ፋይናንስ ኣሜሪካ ተዛቲዮም፡፡
ክልቲኦም ወገናት ጎድና ጎድኒ ዓመታዊ ኣኼባ ኣይ ኤም ኤፍን ባንኪ ዓለምን ኢዮም ኣብ ዓውዲ ኣቪዬሽን ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ሸቶታት ልምዓት ኢኮኖሚ ምሕጋዝ ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ዘቲዮም፡፡
ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ጥቓ ቢሾፍቱ ዝህነፅ ፕሮጀክት ዓብዪ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ፋይናንስ ንምግባርን ንምውዳብን ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ብምድሃብ ተመያይጦም፡፡
እቲ ፕሮጀክት ዓቕሚ መገደኛታትን ፅዕነትን ብልዑል ብርኪ ብምዕባይ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ዘሎ ምጭንናቕ ብምቅላል ናቀርኒ ኣፍሪካ ዋና ማእኸል ሎጂስቲክስ ኮይኑ ከገልግል ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ተሓቢሩ፡፡
ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ እቲ ዘተ ንህዝብናን ኢኮኖሚናን ናይ ነዊሕ እዋን ረብሓ ዘምፅእ ጥንኩር ምሕዝነት ንምህናፅ ጠቓሚ ስጉምቲ ኢዩ ኢሎም፡፡
ዓለም ለኸ ልምዓት ኮርፖሬሽን ፋይናንስ ኣሜሪካ እቲ ፕሮጀክት ብገንዘብ፣ ብቐረብ ልምዓት መዕረፊ ኣውሮፕላንን ብህንፀትን ንምድጋፍ ዘለዎ ድሌት ገሊፁ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!