ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ምስ ምክትል ፕሬዚዳንት ባንኪ ዓለም ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ምስ ምክትል ፕሬዚዳንት ባንኪ ዓለም ማምታ ሙርቲ ኣብ ዓውዲ ልምዓት ሃፍቲ ሰብ ብምትሕብባር ምስራሕ ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ተዛቲዮም፡፡

እቶም ሚኒስትር ኣብ ዘተኦም ኢትዮጵያ ንፅሬት ትምህርቲ፣ ሓለዋ ጥዕና፣ ሞት ኣዴታትን ህፃናትን ንምንካይን ተበፃሕነት ሴፍቲኔት ንምስፋሕን እናገበረቶ ትርከብ ፃዕሪ ብዝምልከት ነተን ምክትል ፕሬዚዳንት ገለፃ ገይሮም፡፡

ባንኪ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ፣ ልምዓት ክእለት፣ ጥዕናን ልምዓት ሃፍቲ ሰብን ከምኡ እውን መርሃ ግብሪ ሴፍቲኔት ንምምሕያሽ ንዝገብሮ ኻገዝ ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡

እተን ምክትል ፕሬዚዳንት ብግደአን ባንኪ ዓለም ዓውዲ ጥዕና ንምጥንኻር ከምኡ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፋላለዩ ዘፈራት ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፀን፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment