ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ምስ ፕሬዚዳንት ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ሞሮኮ ራባት ይካየድ ኣብ ዘሎ ፎረም ኢንቨስትመንት ኣፍሪካ ጎኒ ንጎኒ ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ምስ ፕሬዚዳንት ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ሲዲ ኡልድ ታህ (ዶ/ር) ዘቲዮም።

ኣብቲ ዘተ፥ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን እቲ ባንኪን ዘሎ ጠንካራ ሽርክና ብዝበለፀ ንምጥንኻር ቁርፀኝነቶም ኣረጋጊፆም።

ከልቲኦም ወገናት ኣብ ሰለስተ ስትራቴጂያዊ ዓውዲታት ምትሕብባር ጠመተ ብምግባር ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፥ ኢትዮጵያ እተተኣናግዶ ኮፕ32 ምድጋፍ ብዛዕባ ዝከኣለሉ ኩነታት ተዘራሪቦም።

ብተወሳኺ ደገፍ እቲ ባንኪ ብዛዕባ ዝጠናኸረሉ ኩነታትን መዕርፎ ነፈርቲ ቢሸፍቱ ሓዊሱ ልዑል ውፅኢት ኣብ ዘምፅኡ ፕሮጀክትታት ልምዓት ኢንቨስትመንት ንምስፋሕ ዘኽእል ዘተ ገይሮም።

ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ፥ ኢኮኖሚያዊ ምርግጋዕን ሓቛፊ ዕብየትን ንምቕፃል ኢትዮጵያ ምስቲ ባንኪ ዘለዋ ሽርክና ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢሎም።

እቶም ፕሬዚዳንት ብግደኦም፥ ስራሕቲ ሪፎርም ኢትዮጵያ ዘምፅእዎ ውፅኢት ንኢዶም።

ትካሎም ኣብ ውልቀ ኢንቨስትመንት፣ ምርግጋዕ ማክሮኢኮኖሚን ምዕባይ ቀጣናዊ ምትሕብባርን ዝገብሮ ደገፍ ንምጥንኻር ዘለዎ ድልውነት ኣረጋጊፆም።

 

Comments (0)
Add Comment