ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ምስ ማኔጂንግ ዳይሬክተር ባንኪ ዓለም ዌንካይ ዣ ንግ ዘትዮም፡፡
እቶም ሚኒስትር ኢትዮጵያ ዕብየት ኢኮኖሚ ንምስፋሕ፣ ዲጂታላዊ ኢኮኖሚን ምውህሃድ ኣህጉራዊ ናፃ ንግዲ ዞባ ኣፍሪካ ንምድንፋዕ እንዳተሰርሐ ዝርከብ ኣብ ፕሮግራም ምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብሪሆም።
እቶም ማኔጂንግ ዳይሬክተር ብወገኖም ፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዕዳ ምምሕያሽ ህንፀት ሓዊሱ ማክሮ ኢኮኖሚያዊ ምምሕያሽ ንምትግባር ዘለዎ ተወፋይነት ንኢዶም፡፡
ባንኪ ዓለም ንኣጀንዳ ልምዓት ኢትዮጵያ ብዘላቕነት ብቴክኒካውን ፋይናንሳውን ዝግበር ድጋፍ ብቐፃሊ ከምዝጠናኸር ኣረጋጊፆም።
ክልቲኦም ወገናት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ባንኪ ዓለምን ዘሎ ስትራተጂካዊ ምሕዝነት እውን ገምጋም ምክያዶም እቲ ሚኒስቴር ንፋና ዲጂታል ኣብ ዝተላኣኮ ሓበሬታ የረድእ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!