ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብ ክልል ሃረሪ ዝተሃንፁ ቤት ፅሕፈታት ፓርቲ ብልፅና ይምረቑ ኣለው

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣደም ፋራህ ኣብ ክልል ሃረሪ ኣብ ገጠርን ከተማን ዝተሃነፁ ቤት ፅሕፈታት ፓርቲ ብልፅግና ይምረቑ ኣለው።

ኣይተ ኣደም ኣብቲ ክልል ሰለስተ ገጠርን ሽዱሽተ ወረዳታት ከተማን ዝተሃነፁ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና መሪቖም።

ብተሳትፎ ህዝብን ኣባላቱን ተሃኒፆም ዝተዛዘሙን ቤት ፅሕፈት ተልእኾታትን ፕሮግራማትን ናብ ህዝቢ ንምብፃሕ ዝሕግዙ እዮም ተባሂሉ፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ኣይተ ኦርዲን በድሪን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ተረኺቦም።

ብተስፋዬ ሃይሉ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment