ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣደም ፋራህ ኣብ ክልል ሃረሪ ኣብ ገጠርን ከተማን ዝተሃነፁ ቤት ፅሕፈታት ፓርቲ ብልፅግና ይምረቑ ኣለው።
ኣይተ ኣደም ኣብቲ ክልል ሰለስተ ገጠርን ሽዱሽተ ወረዳታት ከተማን ዝተሃነፁ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና መሪቖም።
ብተሳትፎ ህዝብን ኣባላቱን ተሃኒፆም ዝተዛዘሙን ቤት ፅሕፈት ተልእኾታትን ፕሮግራማትን ናብ ህዝቢ ንምብፃሕ ዝሕግዙ እዮም ተባሂሉ፡፡
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ኣይተ ኦርዲን በድሪን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ተረኺቦም።
ብተስፋዬ ሃይሉ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!