ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንትፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ ምስ ኣምባሳደር ዩናይትድ ኪንግደም ኣብ ኢትዮጵያ ዳረን ዌልች ተዛቲዮም፡፡
ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆመ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ዘበናት ዝተሳገረ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ልዑል ድሌት ከምዘለዎ ኣብቲ እዋን ተንፀባሪቑ ኢለን፡፡
ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ብፍላይ ኣብ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ፣ ኣብ ኣተገባብራ ሃገር በቆል ሪፎርም ኢኮኖሚ፣ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲን ጥዕናን ዝነበሩ ማዕቐፋት ምትሕባር ኣዚዩ ዕዉት ከምዝኾነን ብዝበለፀ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ቆራፃት ከምዝኾንናን ገሊፅና ኢሎም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!