ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓለዋ እንስሳት ዘገዳም ኢትዮጵያ ኣይተ ኩመራ ዋቅጂራ ኣብ ሓለዋ ብዝሃ ህይወት ብዝሰርሕዎ ስራሕ ተሸላሚ ዋንጫ ተስክ ኮንዘርቬሽን ኣዋርድ ኮይኖም።
ኣይተ ኩመራ ኣብ ለንደን ኣብ ዝተሳለጠ መርሃ ግብሪ ሽልማት ኣብቲ ዓውዲ ካብ ጀማሪ በዓል ሞያ ስነ ህይወት ክሳብ ዋና ዳይሬክተርነት ንዘበርከትዎ ኣስተዋፅኦ ሽልማት ልኡል ዊሊያም ተበርኪቱሎም።
እቲ ሽልማት መንግስ ኣብ ቀረባ እዋን ነቲ ዓውዲ ብመሰረት ዝሃቦ ቆላሕታ ብዝተመዝገቡ ውፅኢታት ዝተረኸበ ኢዩ ክብሉ ኣይተ ኩመራ ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ተዛሪቦም።
ብሓምለዋይ ኣሰርን ካልኦት ስራሕቲ ሓለዋ ከባቢን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ምጥፋእ ሓደጋ ዝርከቡ ከም ኣዋሽ ፓርክ ዝበሉ ምምላስ ከምዝተኽኣለ ሓቢሮም።
ብኣሸናፊ ሽብሩ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!