ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣዲስ ኣበባ ንነበርታ እትከናኸን ከተማ ኮይና ኣላ ኢለን ከንቲባ እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ፡፡
እተን ከንቲባ በዓል ልደት ምኽንያት ብምግባር ኣብ ማእኸል ምገባ ተስፋ ብርሃን ጉለሌ ንዓቕመ ደካማ ወገናት መዓዲ ኣካፊን።
ከንቲባ ኣዳነች ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ÷ ኣዲስ ኣበባ ንነበርታ እትከናኸን ከተማ ኮይና ኣላ፤ ዝተሃነፁ ማእኸላት ምገባ ድማ ናይዚ መርአያ ኢዮም።
በዓል ልደት ናይ ፍቕሪ በዓል ስለዝኾነ እቲ ምክፋል መኣድን ንነበርታ ዘለና ፍቕሪ መግለፂ ዝኸውን ኢዩ ኢለን።
እቲ መርሃ ግብሪ ምክፋል መኣዲ ኣብ 26 ማእኸላ ምገባ ከምዝተሳለጠ ብምሕባር÷ ሎምቅነ 381 ኣባይቲ ንዓቕመ ደካማታ ነበርቲ ከምዝተውሃበ ኣመልኪተን።
ብጀማል ኣህመድ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!