ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኣፍሪካ ምዝማን ናብራ ከተማነት ዕዙዝ ኣሰረ ተንብር ኣላ ኢለን ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ፡፡
ኢትዮጵያን ጣሊያንን ኣብ ዘላቒ ልምዓትን ኢንቨስትመንት ከተማ ዘለወን ምሕዝነት ንምዕባይ ዝዓለመ ፈላማይ ፎረም ኮንስትራክሽን፣ መሰረተ ልምዓትን ዳግመ ህንፀትን ከተማ ኢትዮ-ጣሊያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ፡፡
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ ፎረም ኣብ ዝገበረኦ መደረ፥ ቁልፊ ምትሕብባር ልምዓት ክልቲአን ሃገራት ኣብ መሰረተ ልምዓት ከተማ ዳግመ ህንፀትን ምቕፃል ይግባእ ኢሎም።
ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኣፍሪካ ምዝማን ናብራ ከተማነት ዕዙዝ ኣሰር እናንበረት ትርከብ ኢለን፡፡
ሚኒስትር ገንዘብ ኣህመድ ሺዴ ብግደኦም፥ ዝተረጋገአ ዞባዊ ምትሕብባር ኢኮኖሚ ንኽፍጠር ኢትዮጵያ ድሌት ከምዘለዋ ገሊፆም፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ሃገራት እቲ ዞባ ብልምዓትን ኩነታት ፀፅታን ተሓባቢረን ንኽሰርሓ ድሌታ ኢዩ ኢሎም።