ኣዲስ ኣበባ ካብ ሞንጎ መብፅሒ ኮንቲኔንታል ቱር ኣምስት ኣትሌቲክስ ዓለም ሓንቲ ኮይና

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣዲስ ኣበባ ካብ ሞንጎ መብፅሒ ኮንቲኔንታል ቱር ኣምስት ኣትሌቲክስ ዓለም ሓንቲ ኮይና፡፡

ኣብ ብዙሓት ከተማታት ዓለም መብፅሒኡ ዝገብር ኮንቲኔንታል ቱር ኣትሌቲክስ ዓለም ኣብ ኣዲስ ኣበባ እንትግበር ብኣትሌቲክስ ዓለም ደረጃ ነሓስ ከምዝተውሃቦ ሓበሬታ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ።

ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኽ ንፈለማ እዋን ዓለም ለኸ ውድድር ኣትሌቲክስ ናይ ምስንዳእ ዕድል ምርካባ ዝገለፀ እቲ ፌዴሬሽን÷ ኣዲስ ኣበባ ግራንድ ፕሪ ኣትሌቲክስ ዓለም ደረጃ ነሓስ ዝተውሃቦ እንትኸውን ዝቕፅል 10 ሚያዚያ 2018 ዓ.ም ክግበር ኢዩ ኢሉ።

ኣትሌቲክስ ዓለም ኣብ ዝተትሓዘ ዓመት ሓደሽቲ ውድድራት ኮንቲኔንታል ቱር ዕላዊ እንትገብር ኢትዮጵያ፣ ግብፂ፣ ደቡብ ኮሪያ፣ ሌሴቶ፣ ኦማንን ስዑድ ዓረብን ይርከበኦ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment