ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝወሃቡ ኣገልግሎታት ዘበናዊ፣ ፍትሓዊን ስሉጥን ንክኾኑ ጠመተ ሂብካ ይስራሕ ኣሎ ኢሉ ቢሮ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ።
ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ኣዋሌ መሓመድ ንፋና ዲጂታል ከምዝበልዎ፥ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝወሃቡ ኣገልግሎታት መንግስቲ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ፣ ምቹእን ስሉጥን ንምግባር ብቑርፀኝነት ይስራሕ ኣሎ።
ብመሰረት እዚ ኣብ ኣብታ ከተማ ዲጂታል ኢኮኖሚ ምስላጥ ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ ህንፀታት መሰረተ ልምዓታት ምክያዱ ኣረዲኦም።
ብመፅናዕቲን ምርምርን ቴክኖሎጂ ብዙሓት ስራሕቲ ተኻይዱ ኢዩ ብምባል፥ ብኦንላይን ዝወሃቡ ልዕሊ 167 ኣገልግሎታት ሓዊሱ 447 ኣገልግሎታት ዲጂታላይዝ ተገይሩ ኢሎም።
ብመሰረት እዚ እቲ ሕብረተሰብ ፍትሓዊ፣ ስሉጥን ዘተኣማምንን ኣገልግሎት ምሃብ ምኽኣሉ ተዛሪቦም።
ኣብ ቀፃሊ 312 ኣገልግሎታት ዲጂታል ብምግባር ኣብታ ከተማ ዝወሃቡ ኣገልግሎታት ሙሉእ ብሙሉእ ዲጂታል ንምግባር ጠመተ ብምሃብ ከምዝስራሕ ገሊፆም።
ብመላኩ ገድፍ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!