ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 33 ሰሙን መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ኣዳማ ከተማ ንባህር ዳር ከተማ 2 ን 0 ብምስዓር ተዓዊታ፡፡
ኣዳማ ከተማ ዝተዓወተትለን ሸቶታት ቢንያም ኣይተንን ሙሴ ኪሮስን ድሕሪ ዕረፍቲ ኣመዝጊቦምወን፡፡
ኣዳማ ከተማ ተኸታታሊ ሳልሳይ ዓወታ እንትተዕውን÷ ባህር ዳር ከተማ ብኣንፃሩ ሰለስተ ተኸታተልቲ ስዕረት ኣተኣናጊዳ፡፡
እቲ ውፅኢት ስዒቡ ባህር ዳር ከተማ ብ48 ነጥቢ ኣብ 3ይ ደረጃ እንትትቅመጥ ኣዳማ ከተማ ድማ ብ35 ነጥቢ መበል 15 ደረጃ ትርከብ፡፡
መርሃ ግብሪ እቲ ሊግ እንትቕፅል ምሸት ሰዓት 12 ኣርባ ምንጭ ከተማ ምስ ኢትዮጵያ ቡና ክራኸባ ኢየን፡፡