ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ማእኸል ሓደ ማእኸል ኣገልግሎት መሶብ ንኣወሃህባ ኣገልግሎት ሃገርናን ምሕደራ ሪፎርም መንግስቲን ወሳኒ ምዕራፍ ከምዝኾነ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም፡፡
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ኣመልኪቶም ብዝምልከት ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፥ ዋና መበገሲ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል ሪፎርም ኣገልግሎትን ምሕደራን መንግስቲ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ዕቤት ሃገር ንዜጋታት ብዝወሃብ ኣገልግሎት ከምዝውሰን ብምግላፅ፤ ዜጋታት ቅልጡፍ ኣገልግሎት እንድሕር ዘይረኺቦም ካብ ውልቀ ሰባዊ ምንግልታዕ ሓሊፉ ኣብ ኢኮኖሚ ሃገር ኣሉታዊ ፅዕንቶ ከምዘለዎ ተዛሪቦም።
ዋና ዕላማ ሪፎርም ሲቪል ሰርቪስ ምንግልታዕ ዜጋታት ዘትርፍ፣ ካብ ሙስና ዝነፅሀ ቅልጡፍ ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝኾነ እውን ፀሪሖም።
ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ መንግስቲ ዝጀመሮ ሪፎርም ኣወሃህባ ኣልግሎት ምሕደራን ንምቅልጣፍ ወሳኒ ምዕራፍ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።