ኣገልግሎት ቤት ፍርዲ ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ንምግባር ይስራሕ ኣሎ – ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣገልግሎት ኣቢያተ ፍርዲ ቅልጡፍን ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ንምግባር ብቖራፅነት ይስራሕ ኣሎ ኡሎም ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ፡፡

መርሃ ግብሪ መኽፈቲ ስሩዕ ኣገልግሎት መጋባእያ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል በጀት ዓመት 2018 ተኻይዱ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣፈ ጉባኤ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ከምዝበሉዎ፤ ኣካላት ተርጎምቲ ሕጊ ስራሕቲ ብሻራነትን ናፅነትን ንኽውግኑ ይስራሕ ኣሎ0።

መመሓየሺታት ኣሰራርሓ ሕጊ፣ ምቹው ከባቢ ስራሕ ንምፍጣር ዘኽእሉ መሰረተ ልምዓታት ምስፍሕፋሕ፣ ኣገልግሎታት ብቴክኖሎጂ ክሕገዙ ምግባርን ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ኢዮም ኢሎም።

ናፅነት ዳይነት ምስ ተሓታትነት ጋህዲ ብምግባር ተኣማኒ ትካላት ምህናፅ ካብ ኩሉ ትፅቢት ከምዝግበር ብምግላፅ፤ ፍትሒ ንምዕሳል ትግሃት ከምዝሓትት ልዑል ሓላፍነት ከምዝኾነ ኣልዒሎም።

ብብርኪ ፌደራል ዝተጀመሩ ኣገልግሎታት ብቴክኖሎጂ ናይ ምድጋፍ ስራሕቲ ብኹሉ ደረጃ ንኽስፋሕፍሑ ብሓባር ክንሰርሕ ኢና ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment