ኣገልግሎት ብሄራዊ ሓበሬታን ድሕንነትም ንሰራሕተኛታቱ ብጡረታ ንዝተሰናበቱ ኣባላቱ መኣድ ኣካፊሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣገልግሎት ብሄራዊ ሓበሬታን ድሕንነትም ንሰራሕተኛታቱ ብጡረታ ንዝተሰናበቱ ኣባላቱ መኣድ ኣካፊሉ፡፡

እቲ ኣገልግሎት ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ከምዘመልከቶ፤ 2 ጳጉሜን 2017 ዓ.ም ዝኽበር መዓልቲ ህብርን ሓዱሽ ዓመትን ምኽንያት ብምግባር ንመውዐሊ በዓል ዝኸውን ህያብ ናውቲን ሓገዝ ገንዘብን ኣበርኪቱ።

ኣብቲ መርሃ-ግብሪ ዝተረኸቡ ምክትል ዳይሬክተር ጀነራል እቲ ኣገልግሎት ኣይተ ርስቱ ይርዳው፤ ትማሊ ሃገሮምን ትካሎምን ብትግሃትን ዋጋ ብምኽፋልን ዘገለገሉ ሎሚ እውን እናገልገሉ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ብምድጋፍ ሰብ ተኮር ስራሕቲ ልምዓት ኣካል ኢዩ ኢሎም።

እቲ ኣገልግሎት ኣብ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ዝተነበረሉ ማሕበራዊ ሓላፊነት ንምውፃእ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ሓገዝ ከምዝገበረ ብምዝኽኻር፤ እቲ ናይ ሎሚ መዓልቲ መርሃ ግብሪ ምክፋል መኣዲ እውን ናይዚ ኣካል ከምዝኾነ ኣመልኪቶም፡፡

ማሕበረሰብ ተኮር ስራሕቲ እቲ ትካል ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ እው ኣረጋጊፆም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment