ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ኣብ በጀት ዓመት፣ ፓስፖርትን ቪዛን ሓዊሱ ካብ ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ልዕሊ 42 ነጥቢ 7 ቢሊየን ብር ኣታዊ ኣኪበ ኢሉ።
ዋና ዳይሬክተር እቲ ኣገልግሎት ሰላማዊት ዳዊት ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ፣ ኣብዚ በጀት ዓመት ብኣየርን ብዶብን ን7 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዝኣኽሉ ናብ ውሽጢ ዝኣትዉን ካብ ሃገር ዝወፁን ተጓዓዝቲ ኣገልግሎት ከም ዝተዋህበ ገሊፀን።
ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት፣ እቲ ኣገልግሎት ልዕሊ 1 ነጥቢ 6 ሚሊየን ፓስፖርት ከም ዝሃበ ብምሕባር፣ ተበፃሕነት ኣገልግሎት ንምስፋሕ ቁፅሪ ጨንፈራት ኣገልግሎት ናብ 23 ከም ዘብፅሖ እተን ዋና ዳይሬክተር ኣረዲኤን።
ብተወሳኺ ንልዕሊ 1 ሚሊየን ወፃእተኛታት ዜጋታት ድማ ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ከም ዝተዋህቡ ገሊፀ።
እቲ ትካል ፓስፖርትን ቪዛን ሓዊሱ ካብ ዝሃቦም ኣገልግሎታት ብድምር ልዕሊ 42 ነጥቢ 7 ቢሊየን ብር ኣታዊ ከምዝኣኸበ ሓቢረን።
ብተወሳኺ 433 ወፀእተኛታት ዜጋታትን 4 ሺሕን 450 ኢትዮጵያውያንን፣ ብድምር 4 ሺኽን 883 ሰባት ብሓሰተኛ ሰነዳት ናይ ምትላል ተግባር እንትፍፅሙ ተታሒዞም ሕጋዊ ተሓታትነት ክኮኑ ከምዝተገብረ ተገሊፁ።
ብተወሳኺ ድማ 25 ሽሕን407 ኢትዮጵያውያንን 29 ሽሕን 606 ወፃእተኛታትን ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ሃገር ክኣትዉ ወይ ካብ ሃገር ንክወፁ እንትፍትኑ ተታሒዞም፣ ኣብ ልዕሊኦም ሕጋዊ ስጉምቲ ከም ዝተወስደ ተሓቢሩ።
ብመሳፍንት እያዩ