ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ ኣብ ዞባ ጋሞ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምግህማስ መሬት ህይወቶም ዝሰኣኑ ስድራ ኣፅናዕኒዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ኣብ ዞባ ጋሞ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምግህማስ መሬት ህይወቶም ናይ ዝሰኣኑ ስድራ ኣፅናዕኒዖም፡፡

እቲ ሓደጋ ኣብ ዘጋጠመሉ ከባቢ ኣስክሬን ናይ ምትእልላሽ ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀ ተሓቢሩ፡፡

በቲ ሓደጋ ህይወት ሰብ ካብ ምሕላፉን ንብረት ምዕናዉን ብተወሳኺ 3 ሺሕን 480 ኣባላት ዘለዉዎም 575 መራሕቲ ስድራ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም።

ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣብ ግዚያዊ መዕቖቢ ንዝርከቡ ወገናት ህፁፅ ሓገዝ እናተገበረ እንትኸውን ብዘላቕነት ንምጥያሽ ርብርብ እናተገበረ ከምዝርከብ ኮሙኒኬሽን እቲ ክልል ንፋና ዲጂታል ገሊፁ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment