ኣፋሕድ ኣጀንዳ ንኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኣረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣመራርሓን ኣባላትን ትካል ህዝቢ ኣምሓራ ፋኖ ክረኣየልና ይግባእ ዝበሎም ኣጀንዳታት ንኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ኣረኺቡ፡፡
ኣብ ክልል ኣምሓራ ተዓጢቆም ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ኣመራርሓን ኣባላትን ኣፋሕድ ኣብ ቀረባ እዋን ኣማራፂ ሰላም ብምስዓብ ምስ መንግስቲ እቲ ክልል ስምምዕ ሰላም ምፍፃሞም ይዝኸር፡፡
ኣመራርሓን ኣባላትን እቲ ትካል ሎሚ ምስ ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ዝተዛተየ እንትኾን፤ እቲ ኮሚሽን ኣብ ዝሰርሖም ተግባራት ብዝምልከት መብርሂ ተዋሂብዎም።
ዋና ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን መስፋን ኣርኣያ (ፕ/ር) ኣብቲ እዋን፤ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተሰርሑ ከይዲታት ብዝምልከት መብራህርሂ ሂቦም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
Comments (0)
Add Comment