ኣፍሪካውያን ንረብሓ ህዝቢ ዘገልግል ሽርክነት ክንፈጥር ይግባእ – ፕሬዚዳንት ኢቫሪስቴ ንዳይሺሚዬ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣፍሪካውያን ንረብሓ ህዝቢ ዘገልግል ሽርክነት ክንፈጥር ይግባእ ኢሎም ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣቦ ወንበር ሕብረት ኣፍሪካን ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ቡሩንዲን ኢቫሪስተ ንዳይሺሚዬ።

ኣብ ኣፍሪካ ኣህጉራዊ መፍትሒ ሰላም ብምፍልፋል፣ ቁጠባዊ ሉዓላውነትን ጂኦፖለቲካዊ ለውጥን ዘተኮረ መበል 12 ጣና ፎረም፣ ኣብታ ውቅብቲ ከተማ ባህር ዳር ኣብ ገምገም ባሕሪ ጣና፣ “መንገድታት ሰላም ኣብ ኣፍሪካ፣ ቁጠባዊ ሉዓላውነትን ጂኦፖለቲካዊ ለውጥን” ብዝብል ቴማ ብዕሊ ምክያድ ጀሚሩ።

ናይዚ ሕዚ ኣቦ ወንበር ሕብረት ኣፍሪካን ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ቡሩንዲን ኢቫሪስተ ንዳይሺሚዬ፣ ኣብዚ እዋን ኣህጉራዊ ሃፍቲ ብምልማዕ ሓፈሻዊ ድሕንነት ዜጋታት ዘረጋግፅ ሓባራዊ ዕቤት ክንሃንፅ ከም ዘለና ገሊፆም።

ኣፍሪካ ብዙሕ ሃፍቲ ዘለዋ ኣህጉር ምዃና ብምግላፅ ሃፍታ ጎንፂ ብምፍጣር ዘይኮነስ፣ ንሰላምን ልምዓትን ከተውዕሎ ከም ዝግባእ ኣመልኪቶም።

ዘላቒ ሰላምን ቀፃሊ ልምዓትን ንምርግጋፅ መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ዘተን ድርድርን ሰላም ቦታ ክረኽቡ ምግባር ከም ዘድሊ እውን ተዛሪቦም።

Comments (0)
Add Comment