ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣፍሪካ ብዓውዲ ኢኮኖሚ ጠንካራን ልኡላውነታ ዘኽበረትን ንክትከውን ዝሓዘቶ ፃዕሪ ምጥንኻር ይግባእ ኢሎም ኣብታ ኣህጉር ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ ዝነጥፉ መዳርግቲ ኣካላት።
ተዋሳእቲ እቲ ዓውዲ ኣብ ናይጀሪያ ከተማ ኣቡጃ ኣብ ዝተጀመረ ኢምፖርት ኤክስፖርት ኣፍሪካ (ኣፍሪኤግዚም) ባንኪ መበል 32 ዓመታዊ ጉባኤ፥ ኣፍሪካዊያን ብናይባዕልቶም ፃዕሪን ምንቅስቓስን ናይ ኢኮኖሚ ነፃነትና ንምርካብ ምስራሕ ትፅቢት ይግበረልና ኢሎም።
ዓለም የጋጥማ ካብ ዘሎ ክእመት ዘይኽእል ኣንፈታት ኢኮኖሚ ንምፅዋር ብውልቀን ሓባርን ተዋዲድካ ምንቅስቓስ ከምዘድሊ ገሊፆም።
ነዚ ዝምጥን ፃዕሪ ምግባር ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም።
ነበር ሚኒስትር ልምዓት ፋይናንስን ኢኮኖሚን ዚምባብዌ ፓትሪክ ቺማናሳ፥ ሃገሮም ብፅዕንቶ ኻልኦት ሓይሊታት ኢኮኖሚኣ ጉድኣት ኣጋጢሙዎ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣፍሪካዊያን ትካላት ፋይናንስ ብመሰረት ዝገበርኡ ሓገዝን ብናይ ባዕላ ፃዕሪን ሐዚ ዝሓሸ ዓቕሚ ከምዘለዋ ገሊፆም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!