ኣፍሪካ ኣብ ቅድሚ ዓለም ብርእሳ ዓቕሚ ለውጢ ናይ ምምፃእ ዓቕሚ ሒዛ ክትቀርብ ኣለዋ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣፍሪካ ኣብ ቅድሚ ዓለም ተደራዳሪት ኣካል ዘይኮነትስ ብርእሳ ዓቕሚ ለውጢ ናይ ምምፃእ ዓቕሚ ሒዛ ክትቀርብ ኣለዋ ኢሎም፡፡

ካልኣይ ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ ኣፍሪካ ‘ዓለም ለኸ መፍትሒታት ንብረት ኣይር ምቅልጣ፣ ንሓምለዋይ ልምዓት ኣፍሪካ ብፋይናንስ ምድጋፍ’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ይርከብ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ መንግስቲ ኬንያ ፈላማይ ጉባኤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዘተኣናገደሉ እዋን ብዙሓት መሪሕ ተግባራት ንኽጅመሩ ብምግባሩ ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡

ማሕለኻታት ቴክኖሎጂ፣ ግዘን ፋይናንስን ንምምካት ብዘለና ዓቕሚ ብርእሰ ፃዕሪ ሕዚ ክንጅምር ኣለና ኢሎም።

ኣፍሪካ እታ ኣህጉርን ዓለምን ክምግብ ዝኽእል ኣብ ረብሓ ዘይወዓለ ልሙዕ ሕርሻ መሬት ዝርከበላ፣ ፍልፍል ብዙሕ ዝሕደስ ሓይሊ ምድሪ ከምዝኾነት ፀሪሖም።

ንሕና ኣፍሪካውያን ኣብዚ ዝተኣኻኸብና ኣብ ጉዳይ ንብረት ኣየር ብዛዕባ ህልውናና ንምድርዳር ዘይኮነስ ብርእ ዓቕሚ ፅዕንቶ ንብረት ኣየር ምላሽ ንመሃብ ኢዩ ክብሉ ተዛሪቦም።

ቅድሚ ሸውዓተ ዓመታት ዝተጀመረ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣቢሉ ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 48 ቢሊየን ፈልሲታ ከምዝተተኸሉ ብምግላፅ፤ ኢትዮጵያ ብስርዓተ ምግቢ ርእስኻ ካብ ምኽኣል ሓሊፉ ናብ ወፃኢ ንምልኣኽ ዘኽአላ ውፅት ከምዘመዝገበት ኣብሪሆም፡፡

ስርዓተ ምግቢ ብዝምልከት ኣፍሪካ ርእሳ ካብ ምምጋብ ሓሊፋ ኣብ ዘለዋ ፀጋ ናብ ዝተቐየረ ዓለም ናይ ምልኣኽ ዓቕሚ ከምዘለዋ ብምሕባር፤ እዚ ጋህዲ ንምግባር ግቡእ ፃዕሪ ምግባር ከምዝግባእ ተዛሪቦም፡፡

ኣፍሪካ ኣብ ቅድሚ ዓለም ተደራዳሪ ኣካል እንተይነትስ ብርእሰ ዓቕሚ ለውጢ ናይ ምምፃእ ዓቕሚ ሒዛ ክትቀርብ ከምዘለዋ ገሊፆም፡፡

ብመሳፍንት ብርሌ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment