ኣፍሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ቀዋሚ ውክልና ክህልዋ ይግባእ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6፣ ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ሕቡራት መንግስታት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ቀዋሚ ውክልና ክህልዋ ይግባእ ኢሎም መራሕቲ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪካ።
ትማሊ ኣብ መበል 39 ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ንምስታፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተዉ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ ምስ ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ ዘትዮም።
እቶም ዋና ፅሓፊ ኣብቲ እዋን፤ ድምፂ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ኣህጉራዊ ዲፕሎማሲ ንምዕባይ ዝስራሕ ዘሎ ስራሕ ንኢዶም።
ኣፍሪካ በዓልቲ ብዙሕ ወገን ምምሕያሻትን ሃናፂ ተራ ከምዘለዋ ገሊፆም፡፡
ሕቡራት መንግስታት ሕብረት ኣፍሪካን ዘርፈ ብዙሕ ስትራተጂካዊ ምትሕብባር ከምዘለዎም ሓቢሮም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment