ኣፍሪካ ካብ ድምፂ ኣፅዋር ንምግባር ሓበራዊ ፃዕሪ ኣድላዪ ኢዩ – ማህሙድ ኣሊ ዩሱፍ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣፍሪካ ካብ ድምፂ ኣፅዋር ንምግባር ሓበራዊ ፃዕሪ የድሊ ኢሎም ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ማህሙድ ኣሊ ዩሱፍ፡፡

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌድዮን ጢሞቲዎስ(ዶ/ር) ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ዝተተፈላለያ ሃገራት ኣብ ዝተረኸቡሉ ፎረም ጣና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

“ኣፍሪካ ኣብ ትሕቲ ተለዋዋጢ ሉላዊ ስርዓት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ፎረም ኣብታ ኣህጉር ሰላምን ድሕንነትን ዘድሀቡ ልዝባት እናተገበሩ ይርከቡ።

ማህሙድ ኣሊ ዩሱፍ ኣብቲ እዋን ኣብ ዘስምዑዎ መደረ፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝረኣዩ ጎንፂታት ጠጠው ምባል ቀዳማይ ጉዳይ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም፡፡

ነዚ ድማ ህፁፅ ናይ ተግባር ስጉምቲ ናብ ባይታ ምውራድ ይግባእ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ መፃኢ ዓለም ንኣፍሪካ ዕውትቲ ንምግባር ብሓድነትን ምትሕብባርን ምጉዓዝ ከምዘድሊ ብምሕባር፤ ኣፍሪካ ካብ ድመፂ መሳርሒ ናፃ ዝኾነት ንምግባር ዝተጀመረ ፃዕሪ ጥንኩር ምትሕብባር ከምዘድሊ ኣገንዚቦም።

ብኣሸናፊ ሽብሩ

Comments (0)
Add Comment