ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ጋንታ መርሲሳይድ ኤቨርተን ንኬርናን ዴውስቡሪ ሃል ካብ ቼልሲ ከምዘፈረመቶ ዕላዊ ገይራ፡፡
ኤቨርተን ንወዲ 26 ዓመት ተፃዋቲ 25 ሚሊየን ፓውንድን እናተርኣየ ዝውስኽ 4 ሚሊየን ፓውንድ ነቲ ተፃዋቲ ናብ ጋንታኣ ፀምቢራ፡፡
እንግሊዛዊ ተፃዋቲ ክፍሊ ማእኸል ዴውስቡሪ ሃል÷ ኣብ ዝተዛዘመ ዓመት ውድድር ንቼልሲ ኣብቲ ሊግ 13 ፀወታታት ገይሩ ሓንቲ ንሸቶ ትኸውን ኩዕሾ ኣመዓራሪዩ ኣቐቢሉ፡፡
ኬርናን ዴውስቡሪ ሃል ካብ ቼልሲ ብተወሳኺ ንሌስተር ሲቲ፣ ሉተን ታውንን ብላክፑልን ተፃዊቱ ኢዩ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!