ኤክስፖ ቴክኖሎጂ ኢትዮጵያ ሎሚ ንህዝቢ ክፉት ኮይኑ ክውዕል እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ብኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያን ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ ኢንፎርሜሽንን ኣሰናዳእነት እናተካየደ ዝርከብ ኤክስፖ ቴክኖሎጂ ኢትዮጵያ ሎሚ ክዛዘም እዩ።

ኤክስፖ ቴክኖሎጂ ኢትዮጵያ 2025 ትማሊ ንህዝቢ ክፍቲ ኾይኑ ከምዝውዕል ሎሚ ዕለት እውን ንህዝቢ ክፍቲ ኾይኑ ንኽውዕል ዳይሬክተር ጉዳያት ኮሙኒኬሽ ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ተስፋዬ ዘውዴ ንፋና ዲጂታል ገሊፆም።

ካብ 8 ግንቦት 2017 ጀሚሩ ኣብ ሓድሽ ማእከል ኮንቬንሽን ኣብ ምኽያድ ዝርከብ ኤክስፖ ልዕሊ 10 ሽሕ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢ ሃገራትን ተሳተፍቲ ምርካቦም ኣመልኺቶም፡፡

ኢትዮጵያ ብዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ጉዕዞ ንማሕበረሰብ ዓለም ዘርኣየቶ ዓብዪ መድረኽ ምዃኑ ዝገለፁ ኣይተ ተስፋዬ÷ ብዓለም ለኸ ደረጃ ተፈላጥነት ዘለዎም ኩባንያታት ከምዝተሳተፋ ሓቢሮም፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ድሕንነት ሳይበር መሰረተ ልምዓት፣ ሓለዋ ከምኡ እውን ኣብቲ ዓውዲ ክቅረፉ ዘለዎም ብድሆታትን ከምኡ እውን ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኣብ ምዕዋት ጉዕዞ ዲጂታላይዜሽን ኣፍሪካ ብዝምልከት ዘተ ምኽያዶም ገሊፆም።

ኣብቲ ኤክስፖ ልዑል ተቀባሊነትን ፍልጠትን ዘለዎም ልዕሊ 100 ናይ ውሽጢ ሃገርን ወፃእን ቴክኖሎጂ ኣቅረብቲ ፍርያቶምን ኣገልግሎቶምን ምፍላጦም ተሓቢሩ።

ብኣድማሱ አራጋው

Comments (0)
Add Comment