ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኤክስፖ ቴክኖሎጂ ኢትዮጵያ እታ ሃገር ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ዘለዋ ዓሚቕ ዓቕሚ ነቲ ዓውዲ ዝተውሃበ ጠመተ ዘርኢ ምዃኑ ምምሕዳር ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን፡፡
እተን ከንቲባ ብኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያን ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታን ዘዳለውዎ ኤክስፖ ቴክኖሎጂ ኢትዮጵያ (ETEX 2025) ዑደት ኣካይደን፡፡
እቲ ኤክስፖ ኣብ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ፣ ሳይበር ደሕንነት፣ ፊን-ቴክ ከምኡ እውን ካልኦት ዓውድታት ቴክኖሎጂ ዘለዋ ዓሚቕ ዓቕሚ ዘርኢን ኢትዮጵያ ነቲ ዓውዲ ዝሃበቶ ጠመተ ከምኡ እውን ዝተረኸቡ ዓወታትን ንዓለም ብምርኣይ ብቑዕ ተተካኢ ዘለዋ ምዃኑ ብግልፂ ዘርእይ ምዃኑ እተን ከንቲባ ገሊፀን፡፡
ኣዲስ ኣበባ ዓለም ለኸን ኣህጉራውን ኮንፈረሳት ብምድላው ብቕዓታ እናወሰኸ ምምፅኡ ሓቢሮም፡፡
እዚ ድማ እቶት እታ ከተማ ብምዕባይ ኮንፈረንስን መባፅሕ ቱሪዝምን ልዕል ንምባል ከምኡ እውን ንነበርቲ ብዝተፈላለየ መንገዲ ዕድል ስራሕ እናከፈተ ምዃኑ ኣረዲኤን፡፡
ብፈቨን ቢሻው