ኤጀንሲ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ብራዚል ጨንፈሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከፊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኤጀንሲ ብራዚል ንግዲን ኢንቨስትመንትን (ኣፔክስ ብራዚል) ቢሮኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከፊቱ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ናብ ብራዚል ኣብ ዝገበርዎ ዑደት ምስ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ሉላ ዳ ሲልቫ ዘካየድዎ ዘተ ስዒቡ ቢሮኡ ከም ዝተኸፈተ ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዳይሬክተር ጀነራል ዋና ዳይሬክተር ክፍሊ ኣውሮፓን ኣሜሪካን ኣምባሳደር መለስ ኣለም ገሊፆም።

እቲ ትካል ጨንፈሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምኽፋቱ ምትሕብባር ንግዲን ኢንቨስትመንትን ብምፍሕፋሕ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንምጥንኻር ዓብዪ ግደ ከም ዘለዎ ተገሊፁ።

ክልቲአን ሃገራት ኣባላት ብሪክስ ምዃነን ብምፅራ፤ ምትሕብባረን ናብ ጭቡጥ ዕድላት ንግዲ ንምልዋጥ እዚ ምኽፋት ጨንፈር ሓጋዚ ከም ዝኾነ ተሓቢሩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ሰብ ሃፍቲ ብራዚል ኣብ ዕዳጋ ኢትዮጵያን ምብራቕ ኣፍሪካን ዘለዉ ዕድላት ንግዲ ንኽሪኡ ዕድል ከም ዝፈጥረሎም ተሓቢሩ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ሰብ ሃፍቲ ኣብ ብራዚል ዘለዉ ዕድላት ንግዲን ኢንቨስትመንትን ንኽሪኡ ዕድል ከምዝረኽቡ ተገሊፁ።

ብፍቅርተ ከበደ

Comments (0)
Add Comment