ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) እስራኤልን ሃማስን ንምቁራፅ ተኹሲ መንገዲ ዝፀርግ እዩ ዝተብሃለሉ ፈላማይ ዙር ውጥን ሰላም ጋዛ ተሰማሚዖም፡፡
ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓለላለፍዎ መልእኽቲ፤ እስራኤልን ሃማስን ኣብ ፈላማይ ዙር ውጥን ሰላም ጋዛ ኣብ ስምምዕነት ምብፅሖም ተዛሪቦም፡፡
እቲ ስምምዕነት ንኹሎም ምሩኻት ምፍታሕን ሰራዊት እስራኤል ኣብ ዝተሰማምዑሉ ከባቢ ምውፃእ ዘጠቓልል ምዃኑ ሓቢሮም።
እቶም ፕሬዚዳንት እቲ ስምምዕነት ኣብቲ ዞባ ዘላቒ ሰላም ንክዓስል በሪ ዝኸፍት እዩ ኢሎም፡፡
እቲ ስምምዕነት ታሪኻዊ ምዃኑ ብምሕባር ንወከልቲ ሃገራት ኳታር፣ ግብፅን ቱርኪን ንዝገበርዎ ኣበርክቶ ምስጋና ኣቕሪቦም።
ብዮናስ ጌትነት
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!