እስራኤልን ኣሜሪካን ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓት ኢነርጂ ኢራን መጥቃዕቲ ፈፂመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)እስራኤልን ኣሜሪካን ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓታት ኢነርጂ ኢስፋሃንን ኮራምሻህርን ኢራን መጥቃዕቲ ፈፂመን፡፡

ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓታት ኢነርጂ ኢራን ንምፍፃም ዝተቐመጠ ገደብ እዋን ናብ መዓልቲ ከምዝተናወሐ ትማሊ ምሰፍለጡ እቲ መጥቃዕቲ ምፍፃሙ ፀብፃባት ኣመልኪቶም።

መራኸብቲ ሓፋሽ ኢራን ብምፅራየሕ ኣናዶሉ ከምዝፀብፀቦ፤ ኣብ ጣያ ኢነርጂ ኢስፋሃን ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ህንፃ ምምሕዳር ተፈጥሮ ጋዝን ማእኸል መቆፃፀሪ ድፍኢት ጋዝን ጉድኣት ኣጋጢሙ፡፡

ብተመሳሳሊ ኣብ መሰረተ ልምዓት ኢነርጂ ኮራምሻህር ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣብ መስፋሕፍሒ ቱቦ መተሓላለፊ ጋዝ ጉድኣት ከምዝበፅሐ ተገሊፁ፡፡

ይኹን እምበር ኣብ ኩሎም መሰረተ ልምዓታት ኢነርጂ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ዝኸፍአ ጉድኣት ከምዘይበፅሐን ኣብ ክልቲኦም ቦታታት ዘሎ ቀረብ ሓይሊ ከምዘይተኣጓጎለ ተገሊፁ፡፡

ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ኢራን ብዝወሰደቶ ግብረ መልሲ ኣብ እስራኤል ከተማታት ኔጌቭ፣ ዲሞና፣ ቴል ኣቪቭን ኤሊያትን ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዝርከቡ ጦር ሰፈራት ኣሜሪካ መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመት ኣብዮታዊ ዘብዒ ኢራን ኣፍሊጡ፡፡

ብሚኪያስ ኣየለ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment