ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ካቢኔ ድሕንነት እስራኤል ቀዳማይ ዙር ስምምዕነት ደው ምባል ተዂሲ ጋዛ ብኣብዝሓ ድምፂ ኣፅዲቑ።
ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ቤኒያሚን ኒታንያሁ ከምዝበሎ፥ ብፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ዝቐረበ ስምምዕነት ደው ምባል ተዂሲ ዝተረፉ ተዓገትትቲ እስራኤል ዘልቅቕን ዘላቒ ሰላም ዘመፅእን ከምዝኾነ ተኣሚኑሉ ኢዩ።
ብመሰረት እቲ ስምምዕነት አስራኤል 53 ሚኢታዊ ካብ ዝኸውን ናይ ጋዛ ግዝኣት ሰራዊታ እተውፅእ እንትትከውን፥ ሃማስ ብግድኡ 20 ተዓገትትቲ አስራኤል ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ክለቅቕ ኢዩ።
ብተመሳሳሊ እስራኤል 250 እሱረኛታትን ኣብ ወፍሪ ጋዛ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝኣተዉን ልዕሊ 1 ሺሕን 700 ሰባት ከምእትለቅቕ ቢቢሲ ፀብፂቡ።
ላዕለዋይ በዓል መዚ ሃማስ ኻሊል አል ሀያ ብግደኦም፥ ዶናልድ ትራምፕ ዘቕረብዎ ስምምዕነት ደው ምባል ተዂሲ ዘላቒ ሰላም ዘምፅእ ኢዩ ኢሎም።
ብሚኪያስ ኣየለ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!