ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)እቲ ሽልማት ኣፍሪካ ኣብ መድረኽ ሓበሬታ ዓለም እናማዕለ ዝመፅአ ፅዕንቶ ፈጣሪነታ ዘርእይ ኢዩ ኢለን ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ እናትዓለም መለሰ።
ፈላማይ ሽልማት ሚዲያ ኣፍሪካ ትማሊ ምሸት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተሳሊጡ።
እተን ሚኒስትር ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዝገበርኡ መደረ፥ ፀብፃባት ኣፍሪካ ነባራዊ ኩነታት እታ ኣህጉር ብዘንፀባርቕን ቅኑዕን ሓበሬታ መሰረት ብዝገበረ መገዲ ክስርሑ ይግባእ ኢለን።
እቶም ስራሕቲ ናይ ኣፍሪካ ኣይብደሃይነት፣ ለውጠን ያታታት ተስፋን ብዝግባእ ከርእዩ ከምዝግባእ ተዛሪበን።
ኢትዮጵያ ዝዝረቡ ብዙሓት ነገራት ኣለውዋ ዝበላ እተን ሚኒስትር፥ ንሳቶም ድማ ናይ ለውጢ፣ ዓወትን ተስፋን ያታታት ኣፍሪካዊያን ብግልፂ ከባፅሕዎም ይግባእ ክብላ ገሊፀን።
ኢትዮጵያ ኮፕ 32 ንምትእንጋድ ምሕራያ ኣብ መደረአን ኣብሪሀን።
እዚ ድማ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ግደ ዲፕሎማሲ ክሊማዊ ለውጢ ኢትዮጵያ ዘለዎ እናማዕበለ ዝመፅአ እምነት ዘርእይ ከምዝኾነ ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!