ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣብ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽ መንግስታት ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ኣካታዕቲ ዝኾኑ ክልላት መረፃ ብዝምልከት ዘመሓላለፍዎ ውሳነ ዕላዊ ገይሮም፡፡
ብሄራዊ ቦርድ መረፃ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ግዘ ሰሌዳ ብዝምልከት መርሃ ግብሪ መሰረት 22 ጥሪ 2018 ዓ.ም ምዝገባ ንምክያድ እናተዳለውሎም ዘለው መረፃ ክልላት መረፃ ጣቢያታት ዝርዝር ንህዝቢ ዕላዊ ምግባሩ ይፍለጥ፡፡
እቲ ቦርድ ዘውፀኦ ዝርዝር መረፃ ክልላትን ጣብያታትን ስዒቡ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን 25 ጥሪ 2018 ዓ.ም ነቲ ቦርድ ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳበ ኣብ ሞንጎ መንግስታት ክልል ኣምሓራን ትግራይን እናካትዑ ዝፀንሑ ሓሙሽተ መረፃ ክልላት ናይ ይግበአኒ እዩ ሕቶታት ክሳብ ዝፍታሕ ሑመራ፣ ዓዲ ረመፅ፣ ኮረም፣ ኣፍላ፣ ፀለምቲን ራያ ኣላማጣን መረፃ ክልላት ካብ መንግስታት ክልላዊ ትግራይ ወፃኢ ኮይኖም በይኖም ንቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ብቀጥታ መረፃ ክካየድ ከምዝግበር እቲ ቤት ምኸሪ ነቲ ቦርድ ኣፍሊጡ ተባሂሉ፡፡
ቤት ምኽሪ እቲ ክልል መረፃ ኣብ ከባቢኡ ንዝተለዓለ ናይ ይግበአኒ እዩ ሕቶ ብሕገ መንግስቲ ውሳነ ንክፍታሕ ምቹው እዋን ተመሪፁ ክካየድ ከምዝወሰነ እቲ ቤት ምኽሪ ምፍላጡ ኣብሪሁ፡፡