እቲ ኣዋጅ ኣብ ከይዲ ወፍሪ ስራሕ ዘሎ ደላላን ዘይሕጋዊ ተግባርን ዘትርፍ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሓድሽ ወፃኢ ሃገር ከይዲ ወፍሪ ስራሕ ዘሎ ደላላን ዘይሕጋዊ ተግባርን ዘትርፍ እዩ ኢሉ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን፡፡

ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዘሎ ወፍሪ ስራሕ ዝነበሩ ክፍተታት ከምዝመልእ ዝተኣመነሉ ኣዋጅ ስራሕ ወፃኢ ኢትዮጵያ ቁፅሪ 1389/2017 ኣብዚ ሰሙን ምፅዳቑ ይፍለጥ።

ፈፃሚ ስራሕ ወፃኢ ሃገራት ወፍሪ ስራሕ ኣብቲ ሚኒስቴር ኤርሚያስ ተኽሉ ከምዝበልዎ፤ እቲ ኣዋጅ ዜጋታት መሰሎም ተኸቢሩን ድሕነቶም ተሓልዩን ክሰርሑ ዘኽእል’ዩ።

ከምኡ እውን ኣብ ከይዲ ስራሕ ደላሎ ዝፍፀሙ ዘይሕጋዊ ተግባራት ከምዘወግድ እውን ገሊፆም።

ዜጋታት ብወገን መረዳእታ ስርዓት ዕዳጋ ኢትዮጵያ ብዘይምንም ደላላ ምምዝጋብን ካልኦት ኣድለይቲ ሓበሬታታት ዘማልእሉ ኣሰራርሓ ዘተዓራረየ ምዃኑ ገሊፆም፡፡

እቲ ኣዋጅ ዕድል ኣማራፂ ስራሕ ካብ ምስፋሕ ሓሊፉ ኣብቲ ዓውዲ ክረክብ ዘለዎ እቶት ብግቡእ ንምርካብ ዘኽእል እዩ ኢሎም፡፡

ብፌቨን ቢሻው

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment