ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ሩሲያ ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ኣብ ብሪክስ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ርክብ ኣባል ሃገራት እቲ ጉጅለ ነክጥንክር ኣኽኢሉ ኢዩ ኢላ።
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሩሲያ ሰርጌ ላቭሮቭ፥ መራሒት ብሪክስ ዝኾነት ብራዚል ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ብፍላይ ኣብ 2025 ዓ.ም.ፈ ብመንፅር ዓለም ለኸ ዲፕሎማሲ ነቲ ጉጅለ ውፅኢታዊ ስራሕ ምስራሓ ገሊፆም።
ብመንፅር እዚ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ኣብ መንጎ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ዘሎ ርክብ ምጥንኻሩ ተዛሪቦም።
እቶም ሚኒስትር ንመበል ሳልሳይ ጉባኤ መራሕቲ ሩሲያ-ኣፍሪካ ዝግበር ምድላው ምዝዛሙ ሓቢሮም።
ናይ ሩሲያ-ቻይና ናይ ባህሊ ዓመት ብዓወት ምዝዛሙን ኣብ ክልቲአን ሃገራት ዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት ምድላዎም ኣዘኻኺሮም።
ካብ 2026 ክሳብ 2027 ዓ.ም.ፈ ናይ ሩሲያ-ቻይና ናይ ትምህርቲ ዓመት ተባሂሎም ምስያሞም ናይ ክልቲአን ሃገራት መራሕቲ ዕላዊ መግባሮም ገሊፆም።
ብኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ዓወት ምምዝጋቦም ሓቢሮም።
ብሶስና ኣለማየሁ