እኹል ቀረብ ሓይሊ ዘይብላ ሃገር ቅልጡፍን ዘላቒን ዕቤት ከተረጋግፅ ኣይትኽእልን – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)እኹል ቀረብ ሓይሊ ዘይብላ ሃገር ቅልጡፍን ዘላቒን ዕቤት ክተረጋግፅ ኣይትኽእልን ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኮሚሽን ሓይሊ ኒውክሌር ኢትዮጵያ ዑደት ገይሮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፤ ከም ኢትዮጵያ ዝበለት ዓባይ ሃገር መሰል ዓበይቲን ነዊሕ ግዘ ዝወስዱን ፕሮጀክትታት ኣቐዲማ ክትጅምርን መሰረት ክተንብርን ነይሩዋ ክብሉ ገሊፆም።

እንተኾነ ግን ድሕሪ ብስራታት ጉባ ጉጅለ ክኢላታት ተወዲቡ ሰፊሕ መፅናዕቲ ክካየድ ምፅንሑ ብምሕባር፤ እቲ ትካል ብሕጊ ክምስረት ተገይሩ፣ ኣድላዪ ሃፍቲ ሰብ ተመዲቡሉ ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ ኣብሪሆም።

እዚ ቴክኖሎጂ ካብ ፍልፍል ሓይሊ ሓሊፉ ንኢትዮጵያ ብዙሕ ዓይነት ረብሓታት ከም ዘምፅእ ብምግላፅ፤ ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ንሕክምና ሕማም መንሽሮ ልዑል ውፅኢታውነት ስለ ዘለዎ፤ ኣገልግሎት ሕክምና ንምዝማንን ንምስፍሕፋሕን ዓብዪ ተራ ከም ዝፃወት ገሊፆም።

ኣብ ዓውዲ ሕርሻ መፍረያይነት ብምዕባይ እታ ሃገር ብምግቢ ርእሳ ንኽትኽእል እትገብሮ ፃዕሪ ዘቀላጥፍ ቴክኖሎጂ ምዃኑ ብምሕባር፤ ልዑል ብቕዓት ዘለዎም ክኢላታት ውሽጢ ሃገር ንምፍጣር ምስ ዩኒቨርሲቲታት ዝተኣሳሰረ ሰፊሕ ስራሕ ከም ዘድሊ ኣብሪሆም።

ብቑዕ ቀረብ ሓይሊ ዘይብላ ሃገር ቅልጡፍን ዘላቒን ዕቤት ከተረጋግፅ ኣይትኽእልን ክብሉ ዝገለፁ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)፤ ሃገራዊ ጠለብ ሓይሊ ንምምላእ ኣማራፂታት ከሰፍሑን ካብ ፅሩይ ፍልፍላት ሓይሊ ሓደ ዝኾነ ቴክኖሎጂ ሓይሊ ኒውክሌር ክጥቀሙ ኣድላዪ ምዃኑ ኣገንዚቦም።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

Comments (0)
Add Comment